Tigrinja - ነብሪ

Etableringslyftet - ብቕልጡፍ: ስራሕ: ወይ: ትምህርቲ: ንኽትጅምር: ይሕግዝ

Etableringslyftet ካብ: ዝተመዝገብክሙሉ: ኣትሒዙ: ክሳብ: ስራሕ: ወይ: ትምህርቲ: ትጅምሩ: ኣብ: ኩሉ: ትሳተፍዎ: ንጥፈታት: ብቛንቛ: ኮነ: ብባህሊ: ደገፍ: ይህበኩም: መብዛሕትኦም: ናትና: ተሳተፍቲ: ጎድኒ: ጎድኑ :SFI ዝመሃሩ: እዮም: ሓጺር: ትምህርቲ: ዘሎዎም: እዮም.

ከም: ተሳታፊ: ኣብ: Etableringslyftet መጠን: ዝወሃበካ: ደገፋት:

  • ምልላይን: ዝርርብን: ብዛዕባ: ናይ: ሽወደን: ዕዳጋ: ስራሓት: ብቛንቛኹም: ከምኡውን: እቶም: ኣስራሕቲ: ዝሃብዎ: ርእይቶ: ምስ: ባህልኹምን: ድሕረባኢታኹምን: ዝምልከት:
  • ኣካታቲልካ: ናይ: ስራሕ: ምግጣምን: ሓገዝ: ናይ: ስራሕ: ምድላይን: ምስ: ወሃብቲ: ስራሕ: ምርኻብን: ብቛንቛኻ:
  • ልምምድ: ብዝያዳ: ንዝዝርርብ: ዝሕግዝ: ብቛንቛ: ሽወደን:
  • ምልላይን: ዝርርብን: ምስ: ዝተፋላለየ: ዓውድታት: ናይ: ምያ: ብቛንቛኹም:
  • Praktik ናይ: ቛንቛ: ምምዕባል: ዕድላት: ዘለዎ: ከምኡውን: ባህላዊ: ደገፋት: ብቛንቛኹም: ዝሓሸ: ርድኢት: ንኽሕድረልኩም:
  • ሓጺር: praktik ንምቑጻር: ስራሕ: ዝዓለመ: ከምኡውን: ቀጻሊ: ርክብ: ምሳኹምን: ምስ: ወሃብ: ስራሕን: ኣብ: እዋን: praktik ትገብረሉ: ግዜ:
  • ብዛዕባ: ኣገባባት: ናይ: ስራሕ: ምቑጻር: ቃለምሕተትን: ከምኡውን: ብዛዕባ: ኣብ: ስራሕ: ክትዋስእዎም: ዘለኩም: ነገራት: ምስ: መሳርሕትኹም: ኮነ: ምስ: ኣስራሒኹም: ብቛንቛኹም: ኣስተምህሮ: ይወሃበኩም:
  • ኣስተምህሮ: ብዛዕባ: ማዕርነትን: ጾታዊ: ዕማማትን: ኣብ: ሽወደንን: ኣብ: ሃገርኩምን: ዘሎ: ብቛንቛኹም: ይወሃበኩም:
  • ሓገዝ: ናይ: ምዝርራብ: ምስ: መንግስታዊ: ትካላት: ብቛንቛኹም: ይግበረልኩም: